top of page

ብዛዕባና

እንህቦ ኣገልግሎታት

ናይ ሕውየትን ዕብየትን መደባት ናብ ኣስተንትኖ ዝመርሕ ዝርርባት ንቕርብ። ነዚ ዝድግፍ መደባት ትምህርቲ እውን በብእዋኑ ነቕርብ። ንህይወት ብዕምቈት ክንርድኣ እነካይዶ ዕዮ ኣብ ግብራዊ ልቦና፡ ኣስተንትኖ፡ ጭቡጥ ተመክሮ ህይወት፡  እምነት፡ ከምኡ እውን ኣብ ባህሊ እተሰረተ  እዩ። ዕላማና፡ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዝዓበየ ትርጉምን ዝነጸረ ዕላማን ሒዞም ብህድኣት ኣብ ንጹር መገዲ ንኽጕዓዙ ምሕጋዝ እዩ። 

ዝመርሓና ኣተሓሳስባ

ህይወት እትስስን ምስቲ ትርጉም ዝህበና ኽንቃዶ ኸለና፡ ምስ ዕላማና ክንራኸብ ከለና፡ ብሓቅን እምነትን ክንምራሕ ከለና፡ ከምኡ ድማ ምስቶም ኣብ ህይወት እንረኽቦም ሰባት ተሳኒና ኽንነብር ዘኽእል ልቦና ኽንወንን ከለና ምዃኑ ንኣምን። ኣብዚ ርድኢት እዚ ተመርኲስና፡ ነቶም ዝመጹና ሰባት ህይወቶም ዝበለጸት ክትከውን ኣብ ዘካይድዎ ዕዮ ንድግፎም። 

bottom of page