መደባት ዕብየትን ሕውየትን
ንዕብየትን ሕውየትን ዝዓለመ፡ ትርጉምን ርድኢትን ህይወት ዝንጽረሉ ስሩዕ ዓመቝቲ ዝርርባት።
ሕውየት ማለት ምስተጸገምካ ጥራይ እትኸዶ ጕዕዞ ኣይኰነን። ብርግጽ ጓሂ፡ ጭንቀት፡ ኣንፈት ምጥፋእ፡ ምስልካይ ወይ ካልእ ናይ ህይወት ብድሆታት ክመጹ ኸለዉ ዕዮ ሕውየት የድሊ እዩ። ዝበለጸ ዕዮ ሕውየት ግና ስቕያት ህይወት ምስገጠሙና ዘይኰነ፡ ባዕልና እነበግሶ ናይ ዕብየት ዕዮ ክኸውን ከሎ እዩ ንሓዋሩ ዝበለጸ ውጽኢት ዝህልዎ።
ሕውየት ናብ ምልኣት ዝግበር ጉዕዞ እዩ። ኣብ ውሽጥና ዝዓመቘ ህድኣት እንረኽበሉ፡ምስ ሰባት ዝበለጸ ዝምድናታት እንተኽለሉ፡ ምስ ፈጣሪ ድማ ናብ ዝሓየለ ርክብ እንኸደሉ ጉዕዞ እዩ። ዝተሰወረና ትርጉም ህይወት እነግህደሉ፡ ዝተሓብኣና ዕላማ ህይወት እነለልየሉ፡ ዝደብዘዘ ምስሊ ህይወት እነነጽረሉን ነባሪ ውሽጣዊ ህድኣት እንረኽበሉን ኣገባብ እዩ።
ሓደ መደብ ሕውየት ብጥንቃቐን ብዕምቈትን ኣብ ምስማዕ፡ ኣብ ኣስተንትኖን ተፍትሽን ዝምርኰስ ዕዮ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነናቱ ፍሉይ ዛንታ ሒዙ እዩ ዝመጽእ፡ እቲ ዝስዕብ ዝርርባት ከኣ ነናቱ ፍሉይ መኣዝናት ይኽተል። እቲ መደብ ንስኻ መን ምዃንካ ብምርዳእ ይጅምር። እንታይ የድልየካ ኣሎ፧ ኣብዚ መዓልቲ እዚ እንታይ ዝመስል ተመክሮታት፡ ሕቶታት፡ ብድሆታት፡ ተስፋታት እዩ ንህይወትካ ዝመርሓ ዘሎ፧
ብሓባር ነቲ ልዕሊ ኹሉ ዝዓጠኩም ዘሎ ጉዳያት ንድህስሶ። እቲ ዘገድሰኩም ጉዳይ ውሽጣዊ ዕቤት ክኸውን ይኽእል፡ ጉዳይ መንፈሳዊ ዕቤት እውን ክኸውን ይኽእል። ኣብ ዝምድናታትኩም ዝበለጸ ኣተሓሕዛ ኽህልወኩም ትደልዩ ትዀኑ። መሰጋግሮ ምዕራፋት ህይወት ዘስዕቦ ምድንጋር ክበርሃልኩም ትደልዩ ትህልዉ። ስንጭሮ ጓህን ክሳራን ንምስጋር፡ ውሽጣዊ መንነት ንምንጻር፡ ናይ ምፍጣርን ምዕዋትን ክእለትኩም ንምሕያል፡ ከምኡ እውን ዝዓበየ ሰላም ህይወት ምንዳይ ክትመጹ ትኽእሉ።
እዚ መደባት ምርዳእ ዝዓምቈሉን ሕውየት ዝጅምረሉን ብኽፉት ልቢ፡ ሓቀኛ ኣጠማምታን ዓሚቝ ኣስተንትኖን ዘቐድም ዝርርባት እዩ።
እዚ መደባት ዛንታን ደረጃን ህይወት፡ እምነት ወይ ባህሊ ብዘየገድስ ንኹሎም ሰባት ዘአንግድ እዩ። ዕብየት ተናድዩ እንተሊኹም ብደሓን ምጹ። ሕውየት ተናድዩ እንተለኹም እውን ብደሓን ምጹ።
ገለ ሰባት ኣብ እዋን ጓሂ፡ ኣብ እዋን ምጥርጣር፡ ምስልካይን ድኻምን፡ ኣብ ህይወት ጽምዋ ኽብርትዖም ከሎ ወይ ከኣ ህይወቶም ኣብ ዝለዋወጠሉ እዋን እዮም ናብዚ መደብ ዝመጹ። ካልኦት ኣብ መንፈሳዊ ህይወቶም ዝያዳ ዕምቈት ክህልዎም፡ ኣብ ህይወት ዘለዎም ምስጋና ንምዕማቝ፡ ዕላማ ህይወቶም ንምምርማር፡ ከምኡ ኸኣ ውሽጣዊ ህድኣት ንምንጋስ ይመጹ።
ናብዚ ናይ ዕብየትን ሕውየትን ዝርርብ ንምምጻእ ግድን ኣብ ጸገም ምህላው ኣየድልየኩምን እዩ። ዕዮ ሕውየት ንስቓይ ብምቅላስ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኰነን። ዝበለጸ ዕዮ ሕውየት፡ ነቲ ብኹሉ ዕጉባት ከለና ዘሎ ኩነት ኣእምሮናን ኣነባብራናን ብምዅስኳስ እዩ ብዝበለጸ ዝሕይል። ምስ ሓይልና ኸለና ንነብስና ኣብቲ ቀንዲ ዘገድስ እንተድኣ ኣዕቢናያ፡ ጾር ህይወት ክኸብደና ኸሎ ብቐሊሉ ክንሰከሞ ንኽእል።
ካብ እንድህስሶ ኣርእስታት
-
ትርጉም፡ ዕላማን መኣዝንን ህይወት
-
መሰጋግሮታት ህይወትን ዓበይቲ ውሳኔታት ህይወትን
-
ጓሂ፡ ክሳራንን ዘቝስል ምዕራፋት ህይወትን ኣሕሊፍካ ምሕዋይ
-
ጭንቀት፡ ፍርሂ፡ ውሽጣዊ ግርጭት
-
እምነትን መንፈሳዊ ዕብየትን
-
ስነስርዓትን ርእስኻ ምግዛእን
-
ጸሎት፡ ኣምልኾን መንፈሳዊ ኣነባብራ
-
መንነት፡ ተበጻሕነትን ባህላዊ መሰረትን
-
ማሕበረሰብ፡ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን
ዝዀነ ዝርርብ ፍሉይ እዩ። እዚ እተጠቕሰ ኣርእስታት ከም ኣብነት ናይቲ ክለዓል ዝኽእል ዓይነት ዝርርባት እተዘርዘረ እዩ።
መደብ
ነናይ ሰዓት መደብ
-
ናይ ሕውየትን ዕብየትን መደብ - 1 ሰዓት
ቋንቋ፦ ትግርኛ/እንግሊዝኛ
ኣገባብ: ብኢንተርነት ብቪድዮ ወይ ብድምጺ
