top of page

ትኽክለኛ ኣነባብራ

ሓፈሻዊ መግለጺ

ን13 ተኸታተልቲ ሰሙናት ዝቕጽል ንሕውየት፡ ትርጉም ህይወት፡ መንፈሳዊ ዕብየት፡ ርእስኻ ምግዛእ፡ ትርጉም ኣምልኾን ጸሎትን፡ ትርጉም ባህልን ወግዕን፡ ከምኡ እውን ትኽክለኛ ኣነባብራ ብዓይኒ ባህልን ኣተሓሳስባን ዝምርምር ጉዕዞ። 

እንታይ ክንመሃር ኢና፧

ንኣእምሮኣውን መንፈሳውን ሕውየት ዝዀነና ግብራዊ ኣገባባት፡ ግብራዊ ጥቕሚ ኣምልኾን ጸሎትን ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ኣብ ህይወት ዓሚቝ ትርጉም ምርካብ ብኸመይ ከምዝከኣል፡ ምስጋና ብኸመይ ከምዝፍውሰና፡ ኣብ ህይወት ንዝስምዓና ስቓያት እንገጥመሉ ዕጥቂ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ባህልን ወግዕን፡ ትርጉምን ዋጋን ስድራቤት፡ ብሕታዊ ህይወትና ኣብ ማእከል ማሕበረሰብና፡ ኣብ ውልቃዊ ህይወትና ክንበጽሖ እንደሊ ውሽጣዊ ዕብየት፡ ከምኡ ድማ ሰላም ኣእምሮን ውሽጣዊ ሰላምን ዝብሉ ኣርእስታት ብዕምቈት ክንድህሶስም ኢና። ኣድህቦና ኣብ ሓሳባት ጥራይ ዘይኰነ፡ ነዞም ሓሳባት ኣብ ግብራዊ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከምዝዓይዩ ክንምርምር ኢና። ተሳተፍቲ ዘለዎም ዓመቝቲ ንህይወትን ኣነባብራኣን ዝምልከት ሕቶታት ሒዞም ክመጹ ይተባብዑ።   
 

ቅርጺ መደብ

ንውሓት፦ 3 ወርሒ (13 ተኸታተልቲ ሰሙናት)
ብዝሒ፦ ክልተ ግዜ ኣብ ሰሙን
ሓደ ክፍለ ግዜ፦ ኣስታት ሰዓትን ፈረቓን
ቋንቋ፦ ትግርኛ
ኣገባብ፦ ብቐጥታ ብቪድዮ ዝካየድ ትምህርቲ፡ ዓሚቝ ዘተ ምስ ዳህሳስ ግብራዊ ጥቕምታቱ።

እዚ መደብ ንመን እዩ፧

እዚ መደብ እዚ ንዝዀነ ይኹን ኣብ ህይወት ዝዓመቘ ትርጉም ዘናዲ፡ ሕውየት ዝደሊ፡ ንጻረ ህይወት ዘገድሶ፡ ዕላማ ህይወቱ ኽፈልጥ ዝጽዕር፡ መንፈሳዊ ዕብየት ዘገድሶ፡ ሰላም ኣእምሮን ውሽጣዊ ሰላም ዝደሊ ሰብ ክኸውን እተዳለወ እዩ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ጭቡጥ ልቦና ተመክሮን ህይወት እተሰረተ ኣገባብ እናተኸተሉ ንገዛእ ርእሶም ብዝዓመቘ መገዲ ክርድእዋን ትርጉም ጕዕዞ ህይወቶም ክምርምሩን ንዝደልዩ እተዳለወ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ዕዉት ወግዕን ባህልን፡ ኣብ ማሕበራዊ ጽባቐ፡ ኣብ እምነትን ልቦናን እተሰረተ እዩ። 

 

ኣርእስቲ 

ትርጉምን ዕላማን ህይወት፡ ስቓይ ህይወትን ሕውየትን፡ ምስጋና ዝመልአ ህይወት፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ሰላም ኣእምሮን፡ ሓቀኛ መንነትን ርእስኻ ምግዛእን፡ ሓርነትን ስጋኻ ምግታእን፡ ኣምልኾን ጸሎትን፡ ስራሕን ንኻልኦት እንህቦ ኣገልግሎትን፡ ስድራቤትን ሓዳርን፡ ህይወት ኣብ ሕብረተሰብን ዝናበረሉ ፍትሕን፡ ልቦና ኣበዋት ከምኡ ድማ ነዞም መምርሒታት ህይወት ብኸመይ ኣብ ህይወት ብግብሪ ንነብረሎም። 

​ዕለትን ሰዓትን

መደብ ትምህርቲ ትኽክለኛ ኣነባብራ ንምዝገባ ኽፉት ኰይኑ ኣሎ። ቀዳማይ ወቕቲ ስልጠና 4 ሓምለ 2026 ይጅምር ኣሎ። 
ምዝግባ ብኢንተርነት ኰይኑ፡ ክፍሊት ድማ ብውሑስ ኣገባብ ብኢንተርነት ሓደ እዋን ዝካየድ እዩ። ብኢንተርነት ክኸፍሉ ዝጽገሙ ተመዝገብቲ እንተሓቢሮምና ካልእ ኣገባባት ክንቅርበሎም ኢና። ምስተመዝገብኩም ተወሳኺ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ክመጽኣኩም እዩ። 
 

ትምርህቲ ዝጅምረሉ ዕለት፦ 4 ሓምለት 2026 

ኣስመራ፡ካምፓላ          7:00 ምሸት

በርሊን (CEST)            6:00 ምሸት

ሎንደን (GMT)             5:00 ምሸት

ንው ዮርክ (EDT)          12:00 ቀትሪ

ህዩስተን (CDT)             11:00 ንግሆ
ሳን ፍራንሲስኮ (PDT)      9:00 ንግሆ

 

bottom of page